AFRICAN HEALTH

More travellers need to stay at a quarantine hotel (Tigrinja)

ካብ ቁጠባዊ ክሊ ኤውሮጳን ክሊ ሃገራት ሸንገንን ወጻኢ ብምጽናሕ ንኖርወይ ዝኣትው ገያሾ ኣብ መወሸቢ ሄቶል ንክኣትው መንግስቲ ውሳኔኡ ኣሕሊፉ ኣሎ። ምኽንያት መገሺኦም ዘይተርፍ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ኣብ መወሸቢ ሆቴል ክኣትው ግድን ይኸውን።

-ኩነታት ለብዒ ኣብ ኖርወይ ይኹን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ የንቈልቊል ድኣ እምበር፡ ከምዚ ኣብ ካልእ ከባቢታት ዓለምና ንርእዮ ዘለና ግና ከቢዱ ኢዩ ዘሎ። ካብ ወጻእ-ሃገር ንዝመጽእ ለብዒ ንምግታእ ከም ዋና ሕጊ ብምትሕሓዝ ንኩሎም ነቶም ካብ ቊጠባዊ ክሊ ኤውሮጳን ክሊ ሃገራት ሸንገንን ወጻኢ ብምጽናሕ ንኖርወይ ዝኣትው ገያሾ ኣብ መወሸቢ ሆቴል ንክኣትው ኢዩ ትብል ሚኒስተር ፍትሕን ድሉውነትን ሙኒካ ሜላንድ። ቅድሚ ሕጂ ነቶም ኣብ ኖርወይ ዝምቕማጦም ገያሾ ብዘይተርፍ ምኽንያት ጌሾም ንዝተመለሱ ኣብ መወሸቢ ሆቴል ንከይኣትው ካብቲ ዘሎ ቅጥዕታት ሕድገት ይወሃቦም ኔሩ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ቤት ንክውሸቡ ድማ ይፍቀዶም ኔሩ። ሕጂ ግና እዚ ሕድገት እዚ ኣብ ውሽጢ እተን ቊጠባዊ ክሊ ኤውሮጳን ክሊ ሃገራት ሸንገንን ዝዀና ሃገራት ብዘይተርፍ ምኽንያት ጌሾም ጸኒሖም ምስ ዝምለሱ ጥራሕ እዮም ሕድገት ክወሃቦም ዝኽእል።    

ነቶም ካብ ሃገራት ባንግላደሽ፡ ዒራቕ፡ ህንዲ፡ ነፓልን ፓኪስታንን ንዝመጹ ገያሾ ዝምልከት ሕጊ መምርሒ ኮቪድ-19 ዓንቀጽ 5 ንካልኦት እውን ንክምልከቶም ኢዩ፡ ማለት ነቶም ካብ ቊጠባዊ ክሊ ኤውሮጳን ክሊ ሃገራት ሸንገንን ወጻኢ ዝዀና ሃገራት ጌሾም ጸኒሖም ንዝመጹ ገያሾ እውን ንክምልከት ብዝብል ይቕየር። ብተወሳኺ ብመሰረት ሕጊ መምርሒ ኮቪድ-19 ዓንቀጽ 4 d/መ ሳልሳይ ሕጥቦ ጽሑፍ g/ሸ ንዲፕሎማሰኛታትን ዑዱማት ልኡኻትን ኣብ ዶብ ኣብ ዝኣትውሉ እዋን ንከይምርመሩ ዝብል ዝነበረ ሕድገት ይተርር ብምህላው፡ ነቶም ኣብዘን መወዳእታ ዓሰርተ ምዓልታት ቅድሚ ንኖርወይ ምእታዎም ኣብ ውሽጢ ቊጠባዊ ክሊ ኤውሮጳን ክሊ ሃገራት ሸንገንን ጸኒሖም ንዝመጹ ኣይምልከትን ኢዩ።

 -እተን ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ጋርደርሙወን ዘለዋ ንኡሳን ዞባታት ቀረብ መወሸቢ ሆቴላት ንምውሓስ ነንሕድሕደን ክተሓባበራን ክተሓላለያን ኣገዳሲ ኢዩ ብምባል ሚኒስተር ፍትሕን ድሉውነትን ሙኒካ ሜላንድ ብወገና ተዘኻኽር።

እዚ ምቕያር ሕጊ ካብ ሰንበት ዕለት 9 ግምቦት 2021 ሰዓት 12፡00 ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ይውዕል።

ነቶም ካብ ሃገራት ባንግላደሽ፡ ዒራቕ፡ ህንዲ፡ ነፓልን ፓኪስታንን ንዝመጹ ገያሾ ዝምልከት ሕጊ መምርሒ ኮቪድ-19 ዓንቀጽ 5፡ ነቶም ካብ ቊጠባዊ ክሊ ኤውሮጳን ክሊ ሃገራት ሸንገንን ወጻኢ ዝዀና ሃገራት ንዝመጹ ገያሾ እውን ይምልከት ብዝብል ይቕየር። ብተወሳኺ ብመሰረት ሕጊ መምርሒ ኮቪድ-19 ዓንቀጽ 4 d/መ ሳልሳይ ሕጥቦ ጽሑፍ g/ሸ  ንዲፕሎማሰኛታትን ዑዱማት ልኡኻትን ኣብ ዶብ ኣብ ዝመጽሉ እዋን ንከይምርመሩ ዝብል ዝነበረ ሕድገት ነቶም ኣብዘን ምወዳእታ ዓሰርተ ምዓልታት ኣብ ውሽጢ ቊጠባዊ ክሊ ኤውሮጳን ክሊ ሃገራት ሸንገንን  ጸኒሖም ንዝመጹ ኣይምልከትን ኢዩ። ንኡሳን ዞባታት ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ጋርደርሙወን ዘለዋ ቀረብ መወሸቢ ሆቴላት ንምውሓስ ነንሓድሕደን ክተሓባበራን ክተሓላለያን ኣገዳሲ ኢዩ ብምባል ሚኒስተር ፍትሕን ድሉውነትን ብወገና ሜላንድ ተዘኻኽር።

እዚ ምቕያር ሕጊ ካብ ሰንበት ዕለት 9 ግምቦት 2021 ሰዓት 12፡00 ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ይውዕል።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *